Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ብሰላም ንኽኽበር ኩሉ ዜጋ ግድኡ ንኽዋፃእ መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ በዓል ጥምቀት ብሰላም ንኽኽበር ኩሉ ዜጋ ከባቢኡ ብንቕሓት ብምሕላውን ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባርን ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ÷ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ነበዓል ጥምቀት ምእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዘመሓላለፉ እቶም ሚኒስር÷ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ዝኽበሩ በዓላት ከተራ፣ ጥምቀትን ቃና ዘገሊላን ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ከምዝኽበሩ ፀሪሖም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ምንካዩን ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ብምፍጣሩን እቶም በዓላት ብዝበለፀ ደሚቖም ንኽኽበሩን ካብ መንፈሳዊ ስርዓቱ ሓሊፉ ንኢትዮጵያውያን ሕድሕድ ርክብ፣ መስሕብ ቱሪዝምን ዘለዉ ክብሪታት ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምርኣይን ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ታቦታት ካብ መንበሪኦም ወፂም ጃንሜዳ ሓዊሱ ናብ ዝተሰናድኡሎም መዕረፊታት ጥምቀተ ባሕሪ ከምዘምርሑ ተዛሪቦም።

እዞም ከባቢታ ምቹዋ ኣብ ምግባር ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ብሓድነትን ብምክብባን ነቶም ቦታታት እናፅዩን ነቲ በዓል እናሰናደኡን ከምዝፀንሑ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቶም ሚኒትር ካብዚ ብተወሳኺ÷ እቲ በዓል ኣብ መላእ ክፋል ኢትዮጵያ ብሰላም ንኽኽበር ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ምስ ዝርከቡ ውዳበ ፀፅታ ከምኡ እውን ብብርኪ ደረጃ ምስ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ምድላው እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጦም።፡፡

እቲ በዓል ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ምእካቡ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ሰላም ዝህውኹን ካብ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ እቲ በዓል ብምትሕልላር ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ኣብ ምቅላዕ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብመሰረት ኣወቀ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.