Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ድሙቕ መርኣያ ኢትዮጵዊነት፤ ፍልፍል ድምቐትን ኩርዓት ሃገርን ከምዝኾነ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ኣብ ዓለም ኣብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ካብ ዝተመዝገቡ ድሙቕ መርኣያ ሃብቲ ኢትዮጵዊነትን፣ ፍልፍል ድምቐትን ኩርዓት ሃገርን ካብ ዝኮኑ በዓላት  ሓደ ከምዝኾነ  ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ “ንመላእ ተኸተልቲ  እምነት ክርስትና እንዃዕ ንበዓል ጥምቀት ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና” ክብላ ሰናይ ተምኒተን ገሊፀን።

እተን ከንቲባ በዓል ጥምቀት መርኣያ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓጎስን፣ ሓድነትን ምትሕሰሳብን ከምኡ እውን ፀሎትን ሰናይ ተግባርን ምዃኑ ሓቢረን።

ብፍላይ ናይ ሎሚ በዓል ጥምቀት ኣብ ፅባሕ ኣብ ልዕሊ ሉዓለዊነት ሃገር ዝተሃቀነ ወራር ብሓድነት ብሓቦ ኢትዮጵያውነት ኣብ ዝተሰዓረሉ እዋን ዝኽበር ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.