Fana: At a Speed of Life!

በዓል ፋሲካ ምኽኒያት ብምግባር ናብ ዓዶም ዝኣትዉ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ኣቀባብላ ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ፋሲካ ምኽኒያት ብምግባር ናብ ዓዶም ዝኣትዉ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ኣቀባብላ፥ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

“ባክ ቱ ዮር ኦሪጂንስ” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወፃኢ ንዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ዘቕረብዎ ፃውዒት ብሰለስተ ዙራት ከምዝሳለጥ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ካብ 20 ታሕሳስ ክሳብ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ቀዳማይ ዙር “ምስ መሰረት ብዝሃ ባህሊ ይራኸቡ” ብዝብል ስያመ ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

ሐዚ ድማ “ታሪካዊ መሰረቶም ይፍለጡ” ብዝብል ስያመ እቶም ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ካልኣይ ዙር ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.