Fana: At a Speed of Life!

በዓል 11 ለካቲት ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ንምጅማር ቃልና ነሐድሰሉ ኢዩ – ዶ/ር ደብረፅዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል 11 ለካቲት ሕሉፍ ቃልሲ ንምዝካር ጥራሕ እነኽብሮ እንተይኮነስ ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ንምጅማር ቃልና እንሕድሰሉ ከምዝኾነ ምምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።
 
መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ፓነል ዘተ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ፓነል ዘተ ብላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ብዕሊ ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እቲ በዓል ብዙሕ ቃልሲን መስዋእትን ከም ዝተኸፈለሉ ኣገንዚቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝበልዎ፥ ሳላ መስዋእቲ ዝተኸፈለ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ረብሐኦም ዝተረጋገፀ ናይ ባዕሎም ዕድል ባዕሎም ክውስኑ ኣክኢልዎም ኢዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሰላማዊ ከይዲ ተኾሊፉ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣላ ዝበሉ ዶክተር ደብረፂዮን፥ “ኩልና ተሓጋጊዝናን ተሓባቢርናን እንተኸይድና እቶም ኣሃዳዉያን ጠቕሊሎም ስልጣን ከይሕዙ ክንገብር ንኽእል ኢና” ኢሎም።

እቲ ፓነል ዘተ ሕሉፍ ቃልሲ ንምዝካር ጥራሕ ዘይኮነስ ሓዱሽ ቃለሲ እዉን ይመፅእ ስለዘሎ ነቲ ሓዱሽ ቃለሲ ምድላው ንምግባር ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ “11 ለካቲት ንፈታዉን ፀላእን ድሉዉነትና ነርእየሉ፣ ሕዚ እውን ደጊምና ታሪኽ ከምንሰርሕ እንገልፀሉ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ መስመሩ ኣፅኒዑ ምቅላሱን ካልኦተ ዝመረሖም ዝሰኣኑ ህዝብታት ከምዘለዉን ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ኣብ ተግራይ ዘሎ ቃልሲ ንካልኦተ ደለይቲ ሰላም ህዝብታት ተስፋ ከምዝኸኮነ እዉን ሓቢሪሆም።

“እታ ምዕርይቲ ሰላም ከምነቕፅላ ዓብዪ ተስፋ ኣለኒ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ እቲ ናይ ሎሚ ፓነል ዘተ ንድሕሪት ብምምላስ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምርኣይ፤ ብካልእ ገፅድማ እቲ ሕዚ ዘሎ ፀገም ከምይ ምምካት ይከኣል ብዝብል ብልዝብ ንምስጋር ዘሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም

ኣብቲ ፓነል ዘተ፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዉድብን መንግስትን እቲ ከልል፣ ካብ ፌደራሊስት ሓይልታት ዝተወከሉ ወገናት፣ ተጋደልቲ፣ ስድራ ስዉኣት፣ ነባራት ወየንቲን ሽግ ወየንትን፣ መናእሰይን ደቀንስትዮን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ይሰተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ መድረክ ዘተ፥ ጉዕዞ 45 ዓመትን ናይ ሐዚ ወለዶ ክወስዶ ዝግባእ ትምህርቲን ግድኡን ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ብነባራት ተጋደልቲን ሙሁራትን ክቐርቡ ኢዮም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.