Fana: At a Speed of Life!

በዓል 11 ለካቲት ድሙቐን ሰላማዉን ኮይኑ ንክሓልፍ ኣድላዪ ምድላው ተወጊኑ ኢዩ – ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ

አዲስ አበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል 11 ለካቲት ፍፁም ሰላማዉን ድሙቕን ኮይኑ ክሓልፍ ኩሉ ዓይነት ምድላው ከምዝገበረ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቡዎ መብርሂ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ በቢ ከባቢኡ ዝተኻየደ ድሙቕ ኣከባብራ መበል 45 ዓመት ምጀማረር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ሰላማዊን ድሙቕን ብዝኾነ መገዲ እናተኸበረ ምህላዉ ገሊፆም።

ብፍሉይ ተሳትፎ ኩሉ ከፋል ሕብረተሰብ፣ ብፍላይ ድማ መናእሰይ፣ ደቀንስትዮን ሓይልታት ፀጥታን ብዝገበሩዎ ዝተዋደደ ስራሕ እቲ በዓል ፍፁም ሰላማዉን ድሙቕን ክኸውን ከምዝኸኣለ እውነ ኣብሪሆም።
ኩሎም ሓይልታት ፀረ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር እቲ ህዝቢ ኣብ ዝተዋፈሩሉ እዋን እናተኸበረ ዝርከብ ዘሎ በዓል ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ተኪኡ፥ ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ወረታት ዘሰክፎ ህዝቢ ከምዘይኮነ ብተግባር ኣመስኪሩ እዩ ኢሎም።

ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ፥ ነቲ ኩነታት ተረዲኡ ንዑኡ ዝምጥን ንቕሓትን ክትትልን ኣጠናኪሩ ክቕፅል፣ ኣብ ዉሽጢ ኮይኖም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ሰላም ህዝቢ ንምዝራግ፣ ነቲ በዓል ካሊእ ምስሊ ከትሕዙ ንዝፍተኑ ሓይልታት ፍሉይ ትኩረት ሂቡ ክንቀሳቐስ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ግልጋሎት ወሃብቲ፣ ተሳተፍቲ እቲ በዓል፣ ተጠቃማይ ሕብረተሰብን ካብ ሰላም ተረባሓይ እየ ዝብል ዝኾነ ይኹን ኣካል እዉን እቲ በዓል ብሰላም ክሓለፍ ኩሉ ዓይነት ምድላው ክገብር ይግባእ ኢሎም።

“ምድላውና ንሓደ በዓል 11 ለካቲት ጥራሕ ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ፥ ነቲ እንዳከፍአ ይመፅእ ዘሎ ኩነታት ሰላምና ዉሑስ ንምግባር እዉን እዩ” ኢሎም።

እዚ በዓል ድሙቐን ሰላማዉን ኮይኑ ክሓልፍ ኩሉ ዓይነት ምድላው ከምዝተወገነ እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣረጋጊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.