Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን ክልል ሃረሪ ሰላምን ፀፅታን እታ ክልል ኣጠናኺሩ ንምቕፃል እናሰረሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን ክልል ሃረሪ ሰላምን ፀፅታን እታ ክልል   ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ኣብ ደጀን ምስ ዝርከብ እዚ ምብራቕን ካልኦት ሓይልታት ፀፅታን ብምዃን ዝተዋደደ ስራሕ እናተሰረሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን እታ ክልል ጥላሁን ዋደራ ከምዝገለፅዎ፥ ንተለኣኣኽትን ሸሊኾም ንዝኣትዉን ኣባላት ሸኔን ህወሓትን ብምክትታል ከምኡ እውን ናብ ሕጊ ምቅራብ፤ ኣብ ደጀን ምስ ዝርከብ እዚ ምብራቕ፤ ፖሊስ ፌደራል፣ ፖሊስ ኦሮምያን ማሕበረሰብን ብምዃን ብሓደ ምስራሕ ብምኽኣሉ ብዙሓት ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።

ኣብ  ክልል ሃረሪ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዝተገበረ ፍተሻ ዝተፈላለዩ ወታሃደራዊ ክዳውንቲ፣ መነፅር ዓውዲ ኵናት፣ ስልክታ ሳተላይትን ጠያይቲን ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለ እንትኾኑ÷ እቲ ምርመራ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ከምዘሎ ምግላፆም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

“ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መበገሲ ብምግባር ኣብታ ክልል ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ እዚ ምብራቕ ዝመርሕዎ፣ ካልኦት ሓይልታት ፀፅታ ብምትእኽኻብ፣ ብምውፋር፣ ሓበሬታ ብምትእኽኻብን ብምትንታንን ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ከባብታት ምውፋር ብምግባር ምሕላው ሰላምን ደሕንነትን እታ ክልል ጥራሕ ዘይኮነስ ስራሕቲ ምሕላው እቲ ቀጠና እውን ተሰሪሑ እዩ” ኢሎም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.