Fana: At a Speed of Life!

ባሕሪ ሓይሊ ኢትዮጵያ ስርሑ ንምዕዋት ጉዳይ ሰላምን ዲፕሎማሲን ኣጠናኺ ክሕዝ ይግባእ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባሕሪ ሓይሊ ኢትዮጵያ ስራሕቱ ዕዉታት ንኽኾኑ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰላምን ዲፕሎማሲን ኣጠናኺሩ ክሕዝ ከምዝግባእ ሙሁራን ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ሙሁራን÷ “ስራሕቲ መስኮት ባሕሪ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝርርብ ምስራሕ ኢትዮጵያ ትደልዮ ንምርካብ ዝሕግዝ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ መምህርን ተመራማሪ ሰላም መፅናዕቲን ድሕንነትን ተመስገን ቶማስ (ዶ/ር)÷ ምውዳብ ሓይሊ ባሕሪ ረብሓታቱ ብዙሓት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢኮኖሚ ምትእስሳር ንኽህሉ ሓበራዊ ድሕንነት ብሓባር ኣብ ምሕላው መስኮት ባሕሪ ህላዉ ግድኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡

ኣወዳድባ ሓይሊ ባሕሪ ስራሕቲ መስኮት ባሕሪ ንምስራሕ ኢዩ” ዝብሉ ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ዓለም ለኸ ርክብን ደያሞ ዳሌ ብግደኦም÷ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ኩለን ኣብዚ ጉዳይ ከምዝሰርሓ ተዛሪቦም፡፡

ወፃኢ ንግዲ ኢትዮጵያ ንምቁፅፃር ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምፅናዕ ተግባር እቲ ሓይሊ ባሕሪ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንመዝርራብ ዘኽእሉ ብዙሓት ምኽንያታት ስለዘለዉ ንሓበራዊ ልምዓትን ሰላምን ከምኡ እውን ድሕንነት እንትበሃለ መገዲ ዲፕሎማሲ ኣጥቢቕካ መርሓዝ የድሊ ክብሉ እቶም ሙሁራን ኣገንዚቦም፡፡

ብሃይማኖት ወንድራድ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.