Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምክልኻል ሕፅረት መግቢ ዝውዕል 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምክልኻል ሕፅረት መግቢ ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ ሃገራት ዝውዕል እዩ ዝበሎ 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ።

እቲ ባንኪ ዘፅደቖ ድጋፍ ኣብ ኲናት ዩክሬን ሩስያ ዘጋጠመ ሕፅረት ቀረብ ንምሽፋን ዝውዕል እንትኸውን፥ 30 ሚሊዮን ሜትሪክ ቶን እኽሊ ዕድጊት ከምዝፍፀመሉ ተገሊፁ።

እቲ ድጋፍ ካብ ሩሲያን ዩክሬንን ናብ ኣፍሪካ ዝኣትዉ ቀረብ ፍርያታት ስርናይ፣ መሸላ ባሕሪን ዓተርን ዝትክእ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ድማ እቲ ሐዚ ዝፀደቐ ድጋፍ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ንምሽፋን ዘኽእልን ኣብ ዝቕፅል እዋን ክረምቲ ንሓረስቶት ዘበናዊ ድኹዒ ንምቕራብ ዘኽእል ምዃኑ እቲ ባንኪ ከምዘፍለጠ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.