Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብሓባር ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይን ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብሓባር ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ሚነስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘምሓላለፈኦ ፅሑፍ፥ ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብዱል ካማራ ዕዉት ልዝብ ገይረን፡፡

እቲ ባንኪ ምስቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ብምትሕብባር ኣብ ዝሰርሐሉ ማዕቐፍ ከምዝተዛተያ ገሊፀን፡፡

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፥ ኣብ ልምዓት ክእለት፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይ፣ ንመናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ሓገዝ ፋይናንስን ተበፃሕነትን ከምኡ እውን ዓውዲታት ምትሕብባር ኣጋር ልምዓት ኮይኑ ከምዝቕፅል ምርግጋፁ ወይዘሮ ሙፈሪያት ኣብሪሀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.