Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ፍሪካ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝወሃብ ሓገዝ ዝጠመተ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ባንኪ ልምዓት ፍሪካ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝወሃብ ሓገዝ ዝጠመተ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣማኸርቲ ቦርድ ባንኪ ልምዓት ፍሪካ ኣብ ዘፈር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዘሎ ልምዲ ንምቕሳምን ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ንምግባርን ዝዓለመ ዘተ ኢዩ ተኻይዱ፡፡

ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ባንኪ ልምዓት ፍሪካ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ እናምፀኦ ዝርከብ ለውጢ እውን ገምጊሞም፡፡

በዚ ድማ እቶም ኣባላት ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝኽተሎ ኩነታት ሓገዝን መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ንምድጋፍ እናተኸተሎ ዝርከብ ኣንፈትን ንምግንዛብ ዝዓለመ ልዝብ ምስ ኣመራርሓን ኣማኸርቲን ሚኒስቴር ኢንዱስትር ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ከይዲን እዋናዊ ኩነታትን ፓርክታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ፣ መንግስቲ ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ንምዕባይ እናተኸተሎ ዝርከብ ኣንፈትን ዝሐሸ ንምግባር ኣብ ዝግበር ርብርብ ዘጋጥሙ ማሕለኻታትን ከምኡ እውን ዝመፅኡ ለውጢታት ዝምልከት ነቶም ጉጅለ ልኡኻት ገለፃ ተገይሩል፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ባንኪ ልምዓት ፍሪካ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ብዛዕባ ዝገብሮ ሓገዝን መንግስቲ እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕ እናተኸተሎ ብዛዕባ ዘሎ ኣንፈት ፖሊሲ ዝምልከት ገለፃ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.