Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተማልአ ኣገልግሎት ባንኪ ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተማልአ ኣገልግሎት ባንኪ ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሚኒኬሽን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣልሰን ኣሰፋ ንፋና ብሮድካስቲንክ ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ፥ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ብሰንኪ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ባንኪ ሎሚ መዓልቲ ዳግም ተጀሚሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ንክልል ትግራይ ዝተልኣኸ ገንዘብ ንቅርንጫፋት ብምክፍፋል ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከባ ኩለን ቅርንጫፋት ዝተማልአ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ቅርንጫፋት ባንኪ ንግዲ ዓብይ ዓዲ፣ ማይ ለሚን፤ ሳምረ፤ ግጀት፤ ሃይቂ መስሓልን ወርቅ ኣምባን፣ ኣፅቢን ኣጉላዕን ብሓፈሻ ኣብ 31 ቅርንጫፋት ዝተማልአ ኣገልግሎት ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ ፍረወይኒ፣ ሓውዜን፣ ዓዲጉዶም፣ ሒዋነ፣ ዓዲሽሁ፣ መኾኒ፣ ማይጨውን ከባቢኡን ኣብ ዝርከባ ቅርንጫፋት ድማ ሎሚ መዓልቲ ዝተማልአ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅመር ተዛሪቦም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ስራሕ ዝጀመረሎም ከባቢታት ትግራይ ዘርገሐ መሰረተ ልምዓት ቴሌ ዝተማለአሎም እንትኾኑ፥ ዝተወሰኑ ፅገና መሰረተ ልምዓት ቴሌ ዘይተዛዘመሎም ከባቢታት ኣብ ቀረባ እዋን ሙሉእ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእሎም ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ኣይተ ኣልሰን ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.