Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትዮጵያን ኣፍጋኒስታንን ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ንምንካይ ዘኽእል ሓገዝ ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት 40 ሃገራትን ከስዕቦ ዝኽእል ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ንምንካይን ምክልኻልን ዘኽእል ሓገዝ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከፅድቕ ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ቫይረስ ኮሮና ኣብተን ሃገራት ከስዕቦ ዝኽል ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶን ጉድኣትን ንምንካይ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ቦርድ ዳይሬክተራት እቲ ባንኪ ድማ ኣብዚ ሰሙን ንትዮጵያን ኣፍጋኒስታንን ንምሕጋዝ ዝቐረበሉ ሰነድ ተመልኪቱ ከፅድቖ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ባንኪ ዓለም ንህፁፅ እዋን ሓገዝ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዘፅደቖ 14 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ነተን ሃገራት ዝወሃብ ሓገዝ ምዃኑ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ዴቪድ ማልፓስ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.