Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ንመከላኸሊ ዕስለ ኣምበጣ ዝኸውን ንኢትዮጵያ 63 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ ዝውዕል ሓገዝ 63 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ።

ቦርድ ዳይሬክተራት እቲ ባንኪ ዘፅደቖ ሓገዝ፥ ኣብታ ሃገር ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ሓዊሱ ውሕስና ምግቢን ተረባሕነት ዜጋታትን ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኢዩ።

እቲ ሓገዝ፥ ባንኪ ዓለም ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ኣዝርእቲ እናዕነወ ዝርከብ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ሃገራት ብሓገዝን ትሑት መጠን ወለድ ዘለዎ ልቓሕን ንመሃብ ዝመደቦ 500 ሚሊየን ዶላር ሓደ ኣካል።

ካብ ውሽጢ እዚ ድማ በቲ ዕስለ ኣምበጣ ብዝለዓለ ኩነታት ንዝተጎድኣ ሃገራት ማለት እውን ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኬኒያን ዩጋንዳን 160 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብህፁፅ ክበፅሐን ኢዩ ተባሂሉ።

ንየመን፣ ሶማሊያን ካልኦት ዝተጎድኣ ሃገራትን ድማ ከከም ኣድላይነቱ እቲ ገንዘብ ከምዝልቀቐለን እውን ገሊፆም።

እቲ ዕስለ ኣምበጣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ወረራ እናገበረ ከምዝርከብን ሓዱሽ ቅልውላው ኮቪድ-19 ድማ ነቲ ፀገም ከምዘበኣኣሶን ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተራኢዩ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ፥ ን23 ዝኾና ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ምእኸላይ ምብራቕን ደቡብ እሲያ እናጥቀዐ ይርከብ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመት ታሪኽ ዝተርኣየ ዝለዓለ ዕስለ ኣምበጣ እንትኸውን፥ ብምኽንያት እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝርከቡ 23 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ንሕፅረት ምግቢ ተቓሊዖም ኢዮም።

ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ክሳብ 250 ኪሎ ሜትሮ ብሰዓት ክጓዓዝ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.