Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ንኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንተፕራይዛት ተወሳኺ 200 ሚሊየን ዶላር ሰሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንተፕራይዛት ተወሳኺ 200 ሚሊየን ዶላር ከምዝሰለዐ ልምዓት ኣፍሊጡ።

ኣብ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ÷ ፕሮጀክት ፋይናንስ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተፕራይዛት መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ዋና ዳይሬክትር ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣይተ ብሩ ወልዴ ሓዊሱ ሓለፍቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ኩለን ክልላት ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛትን ተረኺቦም።

ኣይተ ብሩ ወልዴ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንተፕራይዛት÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብኢንዱስትሪ ዝምራሕ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

እቶም ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝተሓሰበሎም ሽቶ ንኽወቕዑ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ባንኪ ዓለም ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝመደቦ 2706 ሚሊየን ዶላር ብተወሳኺ 200 ሚሊየን ዶላር ከምዝመደበ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.