Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ክልል ሃረሪ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኮይኑ ዝቐረበሉ በጀት ዓመተ 2013 እቲ ክልል ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ክልል ሃረሪ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኮይኑ ዝቐረበሉ በጀት ዓመተ 2013 እቲ ክልል ኣፅዲቑ።

ባይቶ ክልል ሃረሪ 5ይ ዙር 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ትማሊ እውን ቀፂሉ ኣካይዱ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሉኡ ብር 2 ቢሊየን 509 ሚሊየን 505 ሺሕንን 21 ኮይኑ ብቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖሚን እቲ ክልል ዝቐረበሉ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም መንግስቲ እቲ ክልል ተመልኪቱ።

በቲ ዝቐረበ በጀት ድሕሪ ምዝታዩ ከምዘፅደቖ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ሃረሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ብፍላይ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ምምላስ፣ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ስራሕን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምክልኻልን ቅድሚያ ዝወሃቦም ተግባራት ከምዝኾኑ ኣብቲ ጉባኤ ተሓቢሩ።

ብቕድሚ ትማሊ ዝተጀመረ ጉባኤ እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.