Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ክልል ደቡብ ቀፃሊ ምርጫ ብዝምልከት በዝሒ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ዘውስን ኣዋጅ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ህፁፅ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣሳሊጡ።
እቲ ባይቶ ኣብ ዝነበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ፃንሒት፥ ናይቲ ክልል ተወሳኺ በጀት፣ በቢብርኩ ናይ ዘለዉ በዝሒ ተወከልቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንምውሳን ዝወፅአ ኣዋጅ፣ መመሓየሺ ደንቢ
መጣየሺ ዋና ኦዲተር፣ ሹመት ኣፈፀምቲ ኣካላትን ሰንብትን ሹመትን ዳያኑን ተዛቲዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ ምርጫ ኣብ ሓደ ክልል ምርጫ 5 ተወከልቲ ንዞባ ቤት ምኽሪ፣ 7ን ካብኡ ንታሕቲን ወረዳ ኣብ ዘለዎም ዞባታት 10 ተወከልቲ፣ ልዕሊ 7 ወረዳታት ኣብ ዘለዎም ድማ 5 ተወከልቲ፣ ንቤት ምኽሪ ወረዳ ካብ ጣቢያ 5 ተወከልቲ፣ ንከተማ ምምሕዳር ካብ ጣቢያ 5 ተወከልቲ፣ ንዓበይቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ጣቢያ 40 ተወከልቲ ከምኡውን ንገፀርን ከተማን ጣቢያታት 120 ተወከልቲ ንክህሉ ተገይሩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.