Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ 5 ለካቲት 2012 ዓ.ም 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼቡኡ ዘካየደ እንትኸውን፥ ረቂቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ብዝምልከት ቀዋሚ ኮሚቴ  ጉዳያት ፋይናንስ፣ በጀትን እቶትን ዘቕረቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ርእዩ።

ሐዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣዋጅ ንቡዙሕ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝፀንሐን ንምፍራይ ዝወፅኡ ወፃኢታት መሰረት ብምግባር ዝስላሕን ብምዃኑ ግልፅነት ዝጎደሎ ኢዩ ብምባል ኣብቲ ዝተገበረ ኣኼባ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ብመሸጢ ዋጋ ንክስላሕ ብምግባር ብወገን መኽፈልን ከፋልን ኤክሳይዝ ታክስ ግልፅነት ዝፈጥር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ግልጋሎት ዘለዋ ተሽከርከርቲ ኣብ ድሕንነት ከባቢ ዘስዕብኡ ዘለዋ ጉድኣት ልዑል ብምዃኑ ብዙሕ ዓመት ዘገልገላ ተሽከርከርቲ ናብ ዓዲ ውሽጢ ንከይኣትዋ ንምእጋድ ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ጥዕና ጉድኣት ኣብ ዘብፅሑ ፍሪያታት መጠን እቲ ኤክሳይዝ ታክስ ብምፍታሽ ምምዕርራይ ኣድላዪ ብምዃኑ እቲ ኣዋጅ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዝነበረ ካብ 1 ሺሕን 300 ሲ ሲ ንታሕቲ ንዝኾና ተሽከርከርቲን ሰለስተ እግሪ ዘለወን ተሽከርከርቲን ተነቢሩ ዝነበረ ኤክሳይዝ ታክስ ሓደሽቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዝገጣጠማ ተሽከርከርቲ፣ ሙሉእ ብሙሉእ ተበቲነን ኣብዝቐረባ፣ ብኽፋል ብምብታን ኣብ ኢንዱስትሪታት ውሽጢ ዓዲ ንክገጣጠማ ዓሊመን ኣብ ዝኣትዋን ሓደሽቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተገጣጢመን ኣብ ዝቐረባን ተሽከርከርቲ ዝውሰን መጠን ታክሲ ካብ 30 ሚኢታዊ ናብ 5 ሚኢታዊ ክወርድ ምምሕያሽ ንክግበረሉ ተሓቲቱ።

ብተወሳኺ ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ኣብ ልዕሊ ዘገልገላ ተሽከርከርቲ ዝውሰን ኤክሳይዝ ታክስ ካብ 80 ናብ 55 ሚኢታዊ ንክወርድ፣ ካብ 2 ክሳብ 4 ዓመት ዘገልገላ ድማ ካብ 130 ናብ 105 ሚኢታዊ ንክወርድ ምምሕያሽ ተገይሩሉ ኣሎ።

ካብ 4 ክሳብ 7 ዓመት ኣገልግሎት ንዘለወን ተሽከርከርቲ ዝውሰን ኤክሳይዝ ታክስ ካብ 230 ናብ 205 ሚኢታዊ ንክወረድ ምምሕያሽ ከምዝተገበረሉ እውን ተሓቢሩ።

ልዕሊ 7 ዓመት ንዘገልገላ ድማ ካብ 430 ናብ 405 ሚኢታዊ ክወርድ ተወሲኑ ኣሎ።

እዚ ምምሕያሽ ማእኸላይ እቶት ንዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ንምግባር ተሓሲቡ ከምዝተሰናደአ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ሽጋራ ዝንበር ኤክሳይዝ ታክስ፥ ዋጋ ብፓኬት 30 ሚኢታዊ ክውሳኽ ኣብ ሕድሕድ/ፍረ ድማ ካብ 5 ብር ናብ 8 ብር ክብ ንክብል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ቴሌኮም 5 ሚኢታዊ ኤክሳይዝ ታክስ ንክንብር ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ንክለዓል ከምዝተገበረ እውን ተሓቢሩ።

ምስ ቅፅዓት ብዝተተሓሓዘ፥ ኣብ ምትግባር እቲ ኣዋጅ ጥፍኣት ዝፈፀመ ሰብ ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመት እስራት፤ ብገንዘብ ድማ ካብ 50 ክሳብ 100 ሺሕ ብር ንክቕፃዕ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ድማ ተገሊፁ።

እቲ ኣዋጅ ብ4 ተቓውሞ፣ 7 ድምፀ ተኣቅቦ፣ ኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.