Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓሙሽተ ኣዋጃት ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ፡፡

እቲ ባይቶ ኣብ ስሩዕ ኣኼቡኡ÷ ንዝተፈላለዩ ጉዳያት መፈፀሚ ዝኾኑ ስምምዓት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረቡ ኣዋጃት መርሚሩ ኣፅዲቑ፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንመፈፀሚ “ኤሌክትሪፊኬሽን”ኢትዮጵያ ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ 250 ሚሊየን ዶላር ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ እቲ ኣዋጅ ኣፅዲቑ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንመፈፀሚ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ “ኦፕሬሽን” ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐቀረበ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ባይቶ÷ ኣብ መንግስታት ኢትዮጵያን ጣሊያንን ምትእስሳር ንመፈፀሚ መመሓየሺ ፕሮጀክት ሸንሸል ምትእስሳር እታወት ቡን ኢትዮጵያ በዓል መዚ ሻሂን ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ዘፈር ኢንዱስትሪ ዝተዋደደ መቀነባበሪ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሕርሻ መፈፀሚ ፕሮጀክት ልምዓት ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕን ንምፅዳቕ ዝቐረበ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣዋጅ ድሕንነት ድሕንነት ፍርያታት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን መረጋገፂ ቁፅፅርን ንምድንጋግ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ቴክኖሎጂ ልምዓት ሃፍቲ ሰብን መውፋር ስራሕን መሪሑ፡፡

ብካሊእ መዳይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ኣኼቡኡ÷ ቃለ ጉባኤ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ጉባኤ ከምዘፅደቐ ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ሓበራዊ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝገበረኦ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ናይ ድጋፍ ሞሽን ኣድሚፁ፡፡

ብየሻምበል ምህረት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.