Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብራ ነበርቲ ንምቕያር ዓሊሙ ንዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ከምዝንእድ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብራ ነበርቲ ንምቕያር ዓሊሙ ንዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ከምዝንእድ ገሊፁ።

ብኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝምርሑ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ኣባላት ካቢኒ እቲ ምምሕዳርን ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ሐዚ ዘሎ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓላፍነት ካብ ዝርከብ ጀሚሩ ይፍፅሞም ብዛዕባ ዘሎ ስራሕቲ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብራ ነበርቲ ንምቕያር ዓሊሙ ንዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ እቶም ኣባላት ባይቶ ንኢዶም።

እቲ ተግባር ንኻልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ተምሳሌት ከምዝኸውን እውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ እቲ ባይቶ ንኢንጂነር ታከለ ኡማ ሽልማት ኣፍልጦ ሂቡዎም።

ብቐፃሊነት ምስ ምምሕዳር እታ ከተማ ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉዊ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.