Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረቀቕቲ ኣዋጃት ኢንቨስትመንትን ኤክሳይዝ ታክስን ብዝምልከት ብምዝታይ ብዝርዝር ንክረአዩ ናብ ቀወምቲ ኮሚቴ መሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ረቀቕቲ ኣዋጃት ኢንቨስትመንትን ኤክሳይዝ ታክስን ብዝምልከት ብምዝታይ ብዝርዝር ንክረአዩ ናብ ዝምልከቶም ቀወምቲ ኮሚቴ መሪሑ።

ረቂቕ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት፥ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ሽግግር ቴክኖሎጂን ክእለትን፣ ምዕባይ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ ከምኡ እውን ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ባህሊን ካልኦት ሃፍቲታትን ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብቲ ባይቶ ሚኒስትር ዴኤታ ሓጋዚ ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ጫላ ለሜ ተዛሪቦም።

ብሓፈሻ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ለውጢታት ንክናበቡ፣ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዓዲ ኣብ ዘፈር ውልቀ ዘለዎም ተሳትፎ ንክጉልብት ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሹ ንፍሰት ኢንቨስትመንት ሓጋዚ ከምዝኾነ ኣባላት እቲ ባይቶ ርእይቶኦም ሂቦም።

ይኹን እምበር ምስ ሕጊ እዛ ሃገር ዝጓነፅ ነገር ንከይህልዎ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ብዝርዝር ክርእዮ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እቶም ሰብ ሃፍቲ ናብ ተግባራዊ ስራሕ እንትኣትዉ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ካብኦም ዘድሊ ክፍፅሙ ከምዝግባእ ዝድንግግ ዓንቀፅ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ክካተት ከምዝግባእ ሓቢሮም።

እቲ ቤት ምኽሪ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ናብ ውልቀ ንምዝዋር ዓሊሙ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እውን ብምዝታይ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑ ኣሎ።

ኤክሳይዝ ታክስ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዝተዛተየ እቲ ቤት ምኽሪ፥ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ መንግስቲ ግቡእ ታክሲ ንክእክብ፣ ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ንኽከላኸል ሓገዝ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ንመጋየፂ ኣብ ዘገልግሉ ንዋታት፣ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ሕብረተሰብን ድሕንነት ከባቢን ጉድኣት ኣብ ዘብፅሑ ፍሪያታት ነዳዲ፣ ተሽከርከርቲን ፕላስቲካትን ኣድሂቡ ዝግበር ክፍሊት ታክስ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝነኣሰ 10 ሚኢታዊ ዝዓበየ ድማ ክሳብ 500 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ክፍሊት ታክስ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

10 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ክፍሊት ኤክሳይዝ ታክስ ካብ ዝውሰነሎም ንብረታት፥ ካሜራታት ፎቶን ቪዲዮን ካልኦት ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑትን ተረቋሕቲ እዮም።

ካብ 400 ክሳብ 500 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ክፍሊት ኤክሳይዝ ታክስ ካብ ዝውሰነሎም ንብረታት ድማ፥ እቶም ኣብዝሓ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2012 ጀሚሩ ማለት 7 ዓመትን ካብኡ ንላዕሊ ዘገልገሉ ተሽከርከርቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ትራክተራት ከከም ኣገልግሎት ዘበኖም 4 ዓመትን ካብኡ ንላዕሊን ንዘገልገሉ ካብ 100 ክሳብ 400 ዝበፅሕ ክፍሊት ኤክሳይዝ ታክስ ከምዝውሰነሎም ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተገጣጢሞም ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርቡ ተሽከርከርቲ ድማ 30 ሚኢታዊ ጥራሕ ክፍሊት ኤክሳይዝ ታክስ ከምዝውሰነሎም ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣልኮላዊ መስተታት፣ ፍሪያታት ትምባሆ፣ ስኳርን ጨውን ኣብ ዝበዝሖም ምግብታት፣ ስብሒ ዝበዝሖም ምግብታትን ዝተሰፈዩ ክዳውንቲን ክፍሊት ኤክሳይዝ ታክስ ከምዝህሉ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተኻቲቱ ኣሎ።

ብድምር ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እኹል ዘተ ድሕሪ ምክያድ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ብምሃብ ብዝርዝር ንክረአዩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ተመሪሑ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.