Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትሕዝቶ መሬት ዝልቀቐሉ ኩነታት ንምውሳን ዝወፅአ ኣዋጅ ንቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ትሕዝቶ መሬት ዝልቀቐሉ፣ ካሕሳ ዝኽፈለሉን ተለዓልቲ መሊሶም እግሪ ዝተኽልሉን ኩነታት ንምውሳን ዝወፅአ መመሓየሺ ኣዋጅ ንቀወምቲ ኮሚቴ ጉዳያት መሰረተ ልምዓት ከተማን ትራንስፖርትን ከምኡውን ጉዳያት ሕጊን ፍትሒን መሪሑ።

ትሕዝቶ መሬት ንክልቀቕ ዝተደለየሉ ምኽኒያት ብመንግስቲ ፌዴራል ኣቢሉ ዝፍፀም ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንብረት ንምግማት፣ ንምኽፋልን ምልዓልን ስራሕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ምሃብን ስምዒት በዓል ዋናነት ንምፍጣርን ዝገብር ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ስለዘድለየ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣባላት እቲ ባይቶ፥ እቲ ምምሕያሽ ምግባር ፕሮጀክትታት ብመሰረት ዝተቐመጠሎም እዋንን ወፃኢን ንምፍፃም ዕድል ዝህብ ኢዩ ኢሎም።

ብየሻምበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.