Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲን መስመር ቡምባ ተፈጥሮ ጋዝ ንምምሕልላፍ ዝተገበረ ስምምዕነት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲን መስመር ቡምባ ተፈጥሮ ጋዝ ንምምሕልላፍ ዝተገበረ ስምምዕነትን ረቂቕ ኣዋጅ ቤት ህንፀት ፌዴራልን ኣፅዲቑ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 7ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ዘሳለጠ እንትኸውን ረቂቕ ኣዋጅ ቤት ህንፀት ፌዴራል ተመልኪቱ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍተሒን ኣይተ ኣበበ ጎዴቦ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ቤት ህንፀት ፌዴራል ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ምስ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል፣ ምምሕዳር ቤት ህንፀታት ፌዴራልን  ክንፊ ህዝቢን ብምዃን ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ እኹል ዘተ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ምምሕዳራት ቤት ህንፀት ፌዴራል ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ መሰረት ገይሮም ዝወፅኡ ሕጊታት ከምኡ አውን ኢትዮጵያ ፈሪማ ዘፅደቐቶም ዓለም ለኸ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ብምግባር ኣብ ምሕላውን ምህናፅን እሱራት ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንኽዋፃእ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ቤት ህንፀታት ሰብኣዊ መሰል እሱራት ብምኽባር ከምኡ እውን ናይ ውልቃዊ ኩነታት እሱራት ኣብ ዘሓትት ስልቲ ኣፈፃፅማን እርማትን ፍርዲ ተግባራዊ ብምግባር፥ ፍልጠትን ክእለትን ብምጉልባት ምስ ሕብረተሰብ ዝፅምበሩሉ ስርዓት ንምፍጣር ዘሕግዝ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣባላት አቲ ባይቶ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ቤት ህንፀት ፌዴራል ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እቲ ኣዋጅ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቖምዎ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ሪፐብሊክ ጅቡቲን መስመር ቡምባ ተፈጥሮ ጋዝ ንምምሕልላፍ ዝተገበረ ስምምዕነት ብዝምልከት ንዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ።

ካብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ መስኖን ኢነርጂን ወይዘሮ ፈቲያ የሱፍ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣድሂበን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ጋዝ በቲ ዝዝርጋሕ መስመር ብምምሕልላፍን ንዝተፈላለያ ሃገራት ብምሻጥን ሸርፊ ወፃኢ ንክትረክብ ከምዝሕግዛ ገሊፀን።

በዓል ቤት እቲ መስመር ቡምባ ኢትዮጵያ ምዃና ኣብቲ ረቂቕ ብግልፂ ከምዝተቐመጠ ዝገለፃ ወይዘሮ ፈቲያ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበረ ስምምዕነት ብርኪ መለክዒ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ዘማልእን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበሩ ስምምዓት ዘጠናኽር ምዃኑን እውነ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ፥ እቶም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቖምዎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.