Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ 122 ቢሊየን ብር ተወሳኺ መንግስቲ ፌዴራል ኣፅቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ 122 ቢሊየን ብር ተወሳኺ መንግስቲ ፌዴራል ኣፅቑ።

እቲ ተወሳኺ በጀት ንመሕለዊ ድሕንነት ሃገር፣ ሰብኣዊ ርዳእታ፣ ብኲናትን ጎንፂን ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት መጣየሺ ከምኡ እውን ንካልኦት ኣድለይቲ ስራሕቲ መንግስቲ መፈፀሚ ዝውዕል ኢ ተባሂሉ፡፡

ተወሳኺ በጀት ምድላው ዘድለየሉ ምኽንያት፥ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ኲናት ተወሳኺ ወፃኢ ስለዘድለየ፣ መንግስቲ ብዝእክቦ ኣታዊ ሕዚ ዘሎ ክፍሊት ንምምላስ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ከምኡ እውን ድሌት ተወሳኺ ወፃኢ ብምሽግሻግ በጀት ምትእምጋድ ስለዝድርት ኢዩ፡፡

እቲ ተወሳኺ በጀትን መስተኻኸሊ ኣሸፋፍና ረቂቕ ኣዋጅን ብ9 ተቓውሞ፣ ብ7 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።

ኣቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼቡኡ ኣዋጅ ማሕበረሰባዊ መድሕን ጥዕና መርሚሩ ብኣብዝሓ ድምፂ ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑዎ።

ብፀጋዬ ወንደሰን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.