Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ

#ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት መበል 17 ዘበን ስራሕ ስሩዕ ኣኼቡኡ ፅባሕ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ከካይድ ኢዩ።

ኣብ ናይ ፅባሕ ኣኼቡኡ ድማ ቃለ ጉባኤ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 16 ስሩዕ ኣኼባን ሹመት ዝተጓደሉ ኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላምን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንዱስትሪ ንምምዳብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ፣ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ሰንደቕ ዓላማ፣ መዝሙርን መዓልቲ ኣፍሪካን ሕብረት ኣፍሪካ ዝምልከት ውሳነ ሓሳብን ፀብፃብን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ባይቶ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ልምዓት ከተማ፣ ኮንስትራክሽንን ትራንስፖርትን ስርዓት ምሕደራንን ኣመራርሓን ፕሮጀክታት መንግስቲ ፌዴራል ንምድንጋግ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዝምልከት ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰነድ ዕዳ መንግስቲ ኣመልኪቱ ዘቕርቦ ፀብፃብ ሓዊሱ ኣብ 15 ካልኦት ዛዕባታት ብምዝታይ ከምዘፅድቕ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.