Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከመሓላልፍ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ሓምሻይ ዘበን መበል 13 ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከመሓላልፍ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ፥ ተወሳኺ በጀት ዓመተ 2012 መንግስቲ ፌዴራልን ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣሸፋፍና ወፃኢን ብምምርማር ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ንኻልኣይ ሃገራዊ ኣቕርቦት መስተ ማይ፣ መፈፀሚ መርሃ ግብሪ ኣቕርቦት፣ ሳኒቴሽንን ሃይጂንን ኣድሂቡ ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ መንግስቲ ፌዴሪኢን ልምዓት ፈንድ ስዑዲን ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምምርማር ንዝምልከቶ ኣካል ክመርሕ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳልጦ ስሩዕ ጉባኤኡ ካልኦት ረቂቕቲ ኣዋጃት እውን ክምርምር ኢዩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.