Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ውድባት “ህዝቢ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ሕወሓት)ን” “ሸኔን” ብግብረ ሽበራውያን ንኽየሙ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ውድባት “ህዝቢ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ሕወሓት)ን” “ሸኔን” ብግብረ ሽበራውያን ንኽየሙ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ሙሉእ መግለፂ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ኣብ ዘሓለፉ 3 ዓማውቲ ኣብ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሕቶታት ምኽባር መሰልን ዴሞክራሲን ቃልሲን ኣቢሉ ዝመፅአ ለውጢ ንምዕፃፍ ብዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት መጥቃዕቲታት እናፈፀሙ ዝፀንሑ ከምዝኾኑ ይዝከር። በዚ ምኽንያት ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ጠፊኡ፣ ኣካል ጎዲሉ፣ ንብረት ዓኒዩን ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎምን ኢዮም። እዞም መጥቃዕቲታት ሕብረተሰብ ቀፃሊነት ኣብ ዘለዎ ስግኣትን ፍርሒን  ንኽነብር ብምግባር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ንኽስእን፣ ዜጋታት ነኒባዕሎም ከይተኣማመኑ ገይሩ ኢዩ። እዚኣቶም ኩሎም ህልውና ሃገረ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተሓሲቦም እናተፈፀሙ ዝነበሩ ከምዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ንምፍላጥ ተኻሉ ኢዩ።

እቶም መጥቃዕቲታት ኣብ ድሕሪቶም ኣተሓሳስባ ፖለቲካ መበገሲ ብምግባርን ንፖለቲካ ዕላማ ወይ ድማ ሽቶ ንምዕዋት ተሓሲቡ ኣብ ልዕሊ ንፁሃንን ናይ ህዝቢ መሰረተ ልምዓታትን እናተፈፀሙ ዝፀንሑ ኢዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር እናተፈፀሙ ዝፀንሑ እቶም መጥቃዕቲታት ዝተፈላለዩ ፈፀምቲ ኣካላት ነይሮምዎም። ኣብ ድሕሪት እቶም መጥቃዕቲታት ግን ብትልሚ፣ ገንዘብ፣ ሓሳብን ስልጠና ሓይሊ ሰብን ብምሕጋዝ፤ ሽፋን መራኸቢ ሓፋሽን ሓገዝን ብመሃብ ግደ መሪሕነት እናተፃወቱ ዝነበሩ ጉጅለታት ኣለዉ። ንኢትዮጵያ ናይ ምምስቕቓል፤ ናይ ምድኻምን ምፍራስን ድሌት ዘለዎም ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ነቶም ጉጅለታት ብቑፃር እናተጠቐሙሎም ከምዝኾኑን ግልፂ ኢዩ።

እዞም ትካላት እናፈፀሙዎምን ንኽፍፀሙ ዘተሓባቡሩዎምን ዝፀንሑ ተግባራት ጥፍኣት፥ ተግባራት ገበን ግብረራዕዲ ኢዮም።

እዞም ተግባራት ገበን ግብረራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ 1176/2012 ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 3 ብዛዕባ ተግባር ገበን ግብረራዕዲ ዝተውሃበ ትርጉም ሙሉእ ብሙሉእ ዘማልኡ ተግባራት ከምዝኾኑ ብቐሊሉ ምግንዛብ ይከኣል። እዞም ተግባራት ግብረራዕዲ እናፈፀሙ ትካላት፣ ኣባላትን ደገፍቶምን ከም ውልቀ ሰብ ብንፅል ብገበን ግብረራዕዲ ተሓተትቲ ካብ ምግባር እቶም ትካላት ፈጠርቲ ግብረራዕዲ ገይርካ ብምስያም ኣብቲ ሕጊ ብዝተፀርሐ ግቡእ ተግባር ገበን ግብረራዕዲ ብዘሐሸ ኩነታት ምቁፅፃርን ምክልኻልን ይከኣል ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ገበን ግብረራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012 ዓንቀፅ 18ን 19ን መሰረት ብግባር፥ “ሕዝባዊ ወያኔ ሐርነት ትግራይ (ሕወሓት)” ን “ሸኔ” ን ገበን ግብረራዕዲ ዕላማ ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ስለዝኾኑን ኣመራርሓ ስራሕ ወይ ድማ ውሳነ ወሃብቲ ኣካላት እቶም ውድባት ነቲ ገበን ኣሚኖም ዝተቐበሉ ወይ ድማ ነቲ ኣፈፃፅማ እናመርሑ ስለዝኾኑ፤ ተግባር ራዕዲ ምፍጣር ሓፈሻዊ መለለዪ እቶም ውድባት ስለዝኾነ፤ እቶም ውድባት ፈጠርቲ ራዕዲ ተባሂሎም ንኽስየሙ ውሳነ ሓሳብ ቀሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012 ዓንቀጽ 23 መሰረት ብምግባር፤ ምትእስሳር ወይ እውን ናይ ሓሳብን ተግባርን ዝምድና ኣብ ዘለዎም ውድባትን ውልቀ ሰባትን እውን እቲ ውሳነ ሓሳብ ተፈፃሚ ክኸውን ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.