Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ገምጋም የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ኣድሂቡ ገምጋም የሳልጥ ኣሎ።

ትማሊ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ብመንፅር ኢኮኖሚ ዘሳለጠኦም ተግባራት ምቕራበን ይፍለጥ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ዘፈራት ዝተዋፈራ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ብመንፅር ዘውፀአኦም መለክዒታት ስራሕተን እናቕረባ ከምዝርከባ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ዝተተለሙ ቅነዲ ቅንዲ ስራሕቲ ብምግምጋም ንቐፃሊ እታወታት ንምርካብ ዘኽእሉዎ ገምጋማት ከምዝጀመረ እውን ሓላፊ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም።

መዛዘሚ በጀት ዓመትን መዳለዊ ቀፃሊ ትልሚ በጀት ዓመትን ስለዝኾነ ነዙይ መበገሲ ዝኸውን መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ከምዝተዳለወ ዝገለፁ ኣይተ ንጉሱ፥ ካብዙይ ዝተወሰደ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ተዳሊዉ ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላው ከምዝተገበረ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሉኡ፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ 11 ሚኒስቴር ቤት ዕዮታትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ብምግምጋም ኣንፈት ከምዘቕምጥ ኣይተ ንጉሱ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.