Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንክእወጅ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 23 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምሕላው ጠሚቱ ኣብ ዝቐረበ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቁፅሪ 6 /2015 ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ተዛቲዩ።

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝተርኣየ በዕጥቂ ዝተደገፈ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ብስሩዕ ስርዓት ምክባር ሕጊ ንምቁፅፃር ናብ ዘይከኣለሉ በርኪ ክብ ምባሉን እዚ ድማ ሓፈሻዊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምንቅስቓስ ነበርቲ እቲ ክልል ብልዑል ደረጃ ይህውኽ ከምዘሎ ርእዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ሕገ መነግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምሕላው ከምኡውን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ስጉምቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛቲዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ዕጡቓት ፅንፈኛ ሓይሊ ብሰንኪ ዝፍፅምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓስ እቲ ክልል ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሐ እቲ ቤት ምኽሪ ገምጊሙ።

መንግስቲ እቲ ክልል ነቲ ዘጋጠመ ምንጋዕ ፀፅታ ብስሩዕ ስርዓት ምኽባር ሕጊ ንምቁፅፃር ከቢድ ብምዃኑ መንግስቲ ፌዴራል ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣድላዪ ማዕቐፍ ሕጊ ንክድንግግን ግቡእ ስጉምቲ ንክወስድን ሕቶ ምቕራቡ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዘቕንዐ ሓደጋ ብስሩዕ ስርዓት ሕጊ ንምቁፅፃር ኣብ ዘይተኽኣለሉ እዋን÷ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ ሕገ መንገስታዊ ስርዓት ካብ ሓደጋ ናይ ምክልኻል ስልጣን ከምዘለዎ ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 93 ምድንጋጉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንምውፃእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቁፅሪ 6/2015 ንክእወጅ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መጣየሺ ረቂቕ ደንቢ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ እውን ተዛቲዩ።

ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣካዳሚያዊን ምምሕዳራዊን ናፃነቱ ሓሊዩ ምንቅስቓስ ንክኽእል፣ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሪፎርም ንክዕወትን ስርዓት ርእሰ ምሕዳራ ተግባራዊ ንምግባርን ወዘተ ንካልኦት ዩንቨርስቲታት ኣርኣያ ንክኸውን ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር ኣብቲ ረቂቕ ደንቢ እታወታት ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ፌዴሪኢ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.