Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣርባዕተ ውሳነታት ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ኣርባዕተ ዛዕባታት ተዛቲዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ፡፡

ውሳነታት መበል 17 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፦

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ትምህርቲን ስልጠናን ዝተዛተየ እንትኸውን÷ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፖሊሲ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ምምሕያሽ እንተይተገበረሉ ምፅንሑ፤ ፈጠርቲ ስራሕ ዜጋታት ኣብ ምፍራይ፤ ቴክኖሎጂን ፈጠራ ስራሕን ኣብ ምብርትታዕ፣ ከምኡ እውን ሃገር በቆል ፍልጠታት ምሕዳጉ ሃገራዊ ተረባሕነት ኣብ ምርግጋፅ ሰፋሕቲ ክፍተታት ነይሮምዎ፡፡
    ብምዃኑ ንኹሎም ህፃናትን መናእይን ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ምብፃሕ፤ ወለዶ በዓል ብዙሕ ልሳንን ተወዳዳሪን ኣብ ምግባር ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዘኽእል ዓለም ለኻዊ ለውጢታት መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ፅሬት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብር ንምብፃሕ ዝዓለመ ረቂቕ ፖሊሲ ተሰናዲኡ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ፡፡
    እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ካብ ዝፀደቐሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  2. እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓርሰ ምሕደራ ዩኒቨርሲቲ ንምድንጋግ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዝተዛተየ እንትኸውን÷ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናፃ ኮይኖም ብዛዕባ ኣካዳሚ ስራሕቶም ባእሎም ምውሳን ንኽኽእሉ፣ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ምምሃር ምስትምሃርን ስራሕቲ ምርምርን ዝማዕበለ ፍልጠት ዝርከበሎም ትካላት ንኽኾኑ፣ ሕብረተሰብ ኩለመዳይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝረኽበሎም፤ ናይ ባዕሎም ፍልፍል ኣታዊ ብምስፋሕ ኣብ ከይዲ ብናይ ባዕሎም በጀት ዝመሓደሩ ንኽኾኑ ኣብ ግምት ብምእታው ቀስ ብቐስ ኣብ ዩኒቨሲቲታት መንግስቲ ዝትግበር ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሓላሊፉ ንኽፀድቕ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

  1. ካሊእ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዘተ ዝተገበረሉ ጉዳይ፥ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምሀርቲ ዩኒቨርሲቲን ኣብ መምሀሪ ሆስፒታላትን ዝሰርሑ ሓላፍነት ሓገዝቲ ኣካዳሚክ ቴክኒክ ከምኡ እውን ረብሐኦም ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቅ ደንቢ እንትኸውን፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብዕምቆት ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  2. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መወዳእታ፥ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ምትእስሳር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ስልጠና ቴክኒክን ሙያን፣ ኣብ ምትእስሳር ትካላት ምርምርን ኢንዱስትሪታትን ዝተዛተየ እንትኸውን÷ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምስ ኢንዱስትሪታት ብምትሕብባር ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበለ ዕዳጋ ዝጠልቦ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዝገበሩዎም ፃዕሪታት ብማሕለኻታት ዝተሓፀሩ ከይኾኑ፤ ማዕቐፍ ምትእስሳር ክብ ክብል ብምግባር ምስ ኢንዱስትሪታት ዝምስረት ምትእስሳር ስግግር ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ንኽኸውን፤ ንብዝሃ ዕቤት ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ዝሕግዝ ፀገም ፈታሒ ምርምር ንኸሳልጡ፣ ዘተኣማምን ፍልፍል እቶት ንኽህልዎምን ተወዳዳሪ ኮይኖም ንኽክቡን መሰልን ግቡእን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ምድንጋግ ኣድላዪ ስለዝኾነ፤ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሓላሊፉ ንኽፀድቕ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.