Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 16 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ንካልኣይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ኣተሓሕዛ ዘላቒ መሬት መፈፀሚ ዝውዕል ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበረ 107,174,255.00 ዶላር ኣሜሪካ ስምምዐነት ልቓሕ ብምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ብምፅዳቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ወሲኑ።

ንምምሕያሽ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እውን ዓሙይቕ ዘተ ብምግባር እታዎታት ወሲኹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሓንሰን ንምጥያሽ ዝቐረበ ደንቢ፣ ኣገልግሎትን ባንኪ ደምን ቲሹን ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝቐረበ ደንቢ፣ ኢንስቲትዩትጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብምዝታይ እታዎታት ወሲኹ ብሙሉእ ድምፂ ብምፅዳቕ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ብምቕፃል ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ እውን ብስፍሓት ብምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ዘደቐ እንትኸውነ፥  ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ኣብ መወዳእታ ምስ መንግስታት ቱርኪን ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብን ኣብ ጉዳያት ገበን ናይ ሓባር ምትሕብባር ሕጊ ንምግባር ኣብ ዝተኸተመ ክልቲኣዊ ስምምዕነት እቲ ቤት ምኽሪ ተዛቲዩ። ዝቐረቡ ክልቲኣዊ ስምምዕነታት ብዝምልከት ድሕሪ መዝታይ ንክፀድቁ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.