Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብ ወለድ ናፃ ዝኾነ 200 ሚሊየን ዶላር ልቓሕ ሓዊሱ ስምምዓትን ረቂቕ ኣዋጃትን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 94 ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
 
እቲ ቤት ምኽሪ ብቐዳምነት ኣብ መማሓየሺ ረቂቕ ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ኢትዮጵያ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ረቂቕ ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ኢትዮጵያ ቁፅሪ 932/2008 ተግባራዊ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኣብ ኣፈፃፅማ ዘጋጠሙ ስሕተታት ምእራም ግቡእ ስለዝኾነ፣ ከምኡ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዓውዲ ብመንፅር ዝበፅሖ ነባራዊ ኩነታት እቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣድላዪ ምዃኑ ስለዝተኣመነሉ ክፍተታት እቲ ሕጊ ብቅልጡፍ ብምፍላይ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ብምፍታሽ መመሓየሺ ረቂቕ ተዳሊዩ ቀሪቡ ከምዝቐረበ ተገሊፁ፡፡
 
እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ድማ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዘቲዩ እታወታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሓላሊፉዎ፡፡
 
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼቡኡ፤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ዝተገበሩ ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ምሃብን ኣብ ጉዳያት ገበን ሓበራዊ ምትሕብባር ፍትሒ ስምምዓት ንምፅዳቕ ኣብ ዝቐረቡ ረቂቕ ኣዋጃት ተዛቲዩ፡፡
 
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቶም ዝቐረቡ ሰነዳት ስምምዕነትን ረቂቕ ኣዋጃት መፅደቒን ምስተዛተየ ንኽፀድቁ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፉ ወሲኑ፡፡
 
እቲ ቤት ምኽሪ፥ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንመፈፀሚ 5ይ ምዕራፍ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ፕሮግራም ፡ዝውዕል ዝተፈረመ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቱ ተዛቲ ኢዩ።
 
ካብ 2013 ክሳብ 2017 ዓ.ም ዝትግበር ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት መፈፀሚ ዝውዕል 200 ሚሊየን ዶላር ካብ ወለድ ናፃ ስምምዕነት ልቓሕ መፅደቒ ረቂቕ ኣዋጅ ተዳሊዩ ቀሪቡ፡፡
 
እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ስምምዕነት ልቓሕ ተዛቲዩ ምስ ስትራቴጂ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝጀኸይድ፣ ወለድ ዘይኽፈለሉ፣ ናይ 6 ዓመት እፎይታ ዘለዎ ከምኡ እውን ኣብ 38 ዓመታት ዝኽፈል ዓይነት ልቓሕ ስለዝኾነ፥ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሓላሊፉዎ ኣሎ።
 
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃትን ስምምዓትን ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
 
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
 
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
 
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
 
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.