Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ውሳነታት አሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 28 ስሩ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት አሕሊፉ፡፡

ብመሰረት እዚ፦

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣቀዲሙ ዝተዛተየ ኣብ ናይ ማእኸላይ ዘበን 2017-2021 ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ማዕቀፍን ኢዩ፡፡ እቲ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ማዕቐፍን በጀት መንግስቲ ምስ ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ዓቕሚን ተጠዓዒሙ ክሰናዳእ ንምግባር፤ ብመንፅር ኣተኣኻኽባ ኣታዊን ምደባ ሃፍቲን መንግስቲ ኣንፈታት ፖሊሲ ብምምልኻት ንዝቕፅል በጀት ዓመት ምድላው በጀት ንምግባር፤ ናይ ማእኸላይ ዘበን ኣታዊን ወፃኢን መንግስቲ ከምኡ እውብ ሚዛን ፊሲካል ፖሊሲ ኣንፈታት ንምፍላይን ንምዕዋትን አገልግል ማዕቐፍ ብምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ብዕምቆት ምስተዛተየ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  2. እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብምቕፃል ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኢዩ፡፡ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኣብ ስራሕ ካብ ዝወዓለሉ ግዘ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ዝተገበሩ ለውጢታት ኣብ ውሽጢ እቲ ማዕቐፍ ሕጊ ምእታው ስለዘድለየ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከይበፅሖም ንምግባር ዘኽእል ረቂቅ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሑ ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ምውሳኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.