Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንኬቨን ማካርቲ ካብ ኣፈ-ጉባኤነቶም ኣልዒሉዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንሪፐብሊካን ኬቨን ማካርቲ ካብ ኣፈ-ጉባኤ መዝነቶም ኣልዒሉዎም።

እቲ ቤት ምኽሪ÷ ንኬቨን ማካርቲ 216 ን 210 ብዝኾነ ትፅቢት ዘይተገበረሉ ድምፂ ካብ ስልጣኖም ዘልዐሎም ኣብ ውሽጢ ርቶም ብዝፈጠሩዎ ዘይምርድዳእ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብ ስልጣኖም ንኽለዓሉ ምኽንያት ዝኾነ ድምፂ ካብ ሞንጎ ዝሃቡ ሰባት እቶም ሸሞንተ ካብ ናይ ባዕሎም ፓርቲ ካብ ሪፐብሊካን እንትኾኑ ዝተረፉ ድማ ካብ ዴሞክራት ፓርቲ ከምዝኾኑ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ትማሊ ምሽት ዝተውሃበ ድምፀ-ውሳነ ኣብ ሞንጎ ሪፐብሊካን ናዕቢ ከምዘልዐለ እናተገለፀ ይርከብ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቶም ኣፈ-ጉባኤ ዝትክእ መን ከምዝኾነ ዝተፈለጠ ነገር የለን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.