Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ስሩዕ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 5ይ ዓመት ዘመን ዝራሕ 10ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ንጉሆ ውዕሉኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ቅድም ክብል ዝነበራ ቁፅሪ ወረዳታት ካብ ሕቶ ህዝቢ ብምብጋስ ተዋሳኺት ሓንቲ ወረዳ ማለት እውን ወረዳ ሁንዱሉ ንኽትጣየሽ ወሲኑ።

ብተወሳኺ ቁፅሪ ጣቢያታት እቲ ክልል ካብ 474 ናብ 518 ንኽዓቢያ ብሙሉእ ድምፂ ምፅዳቑ ካብ ቤትፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ድሕሪ ሰዓት ውዕሉኡ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ መንግስቲ እቲ ክልልን ኣብ ካልኦት ዛዕባታትን ኣድሂቡ ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.