Fana: At a Speed of Life!

“ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ ኢዩ ኢሉ ምውሳኑ ሕገ መንግስቲ ዝፃረር ስለዝኾነ መንግስቲ ውሳነ ምርጫ ቦርድ ብምኽባር ከፈፅም ኢዩ” ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምርጫ ናይ ምፍፃም ስልጣን ዝተውሃቦ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 102 ዝተጣየሸ ቦርድ መረፃ ስለዝኾነ ካሊእ ኣካል በዚ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቲ ኢየ እንተዝብል ካብ ገደብ ስልጣኑ ንላዕሊ ናይ ቦርድ መረፃ ስልጣን ምድፋእን ምድፋርን ስለዝኾን መንግስቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ኣኽቢሩ ክፍፅም ኢዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነፃን ገለልተኛን ኮይኑ “ሉእላውነት ሃገርን ሕገ መንግስቲን ከምዘኽብር ልክዕ፥ ቦርድ ምርጫ እውን ንዝተውሃቦ ሕገመንግስታዊ ስልጣን ኩሉ ኣካል ከኽብሮ ይግባእ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ምርጫ ናይ ምፍፃም ስልጣን ንኣፈፃሚ ኣካል ስለዘይተውሃበ ምስ ምርጫ ብዝተተሓሓዘ ዝኾነ ይኹን ነገር ክገብር ዝኽእልን ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ዘለዎን ቦርድ መረፃ ጥራሕ ኢዩ ኢሎም ኣይተ ንጉሱ።

“ኣፈፃሚ ኣካል ኣብ ውሳነን ስራሕን ቦርድ ምርጫ ጣልቃ ብምእታው እንተተንተነ ካብ ሓላፍነቱ ወፃእ ምንቅስቓስ ስለዝኾነ መንግስቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ከኽብርን ከፈፅምን ኢዩ” እውን ኢሎም።

ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ቦርድ ምርጫ ዝሓሸን ገለልተኛን ኮይኑ ንክጣየሽን ንምጉልባት ትኽክለኛ ዴሞክራሲ በሪ ዝኸፍት ብምዃን ተወዲቡ ኣሎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ናይ ክልል ይኹን ፌዴራል መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቲ ኢየ እንተኢሉ ካብ ገደብ ስልጣኑ ንላዕሊ ናይ ቦርድ መረፃ ስልጣን ምድፋእን ምድፋርን ኢዩ ክኸውን ክብሉ ኣብሪሆም።

ከምኣገላልፃ ኣይተ ንጉሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀንዲ ትኹረቱ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ብምክልኻል ድሕንነት ህዝቢ ምሕላው፣ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝገጥመና ናይ ምትዕንቓፍ ፈተና ብምሕላፍ ማይ ምምላእ ምጅማርን ናብ ረብሓ ምውዓልን ከምኡ እውን እቲ ለበዳ ከብፅሖ ዝኽእል ኢኮኖሚያዊ ጉድኣት ክቕንሱ ዝኽእሉ ሜላታት ሓንፂፅካ ምርብራብ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.