Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ወረዳታት ትግራይ ዳግም ንምጥያሽ ዝወፀ ረቂቕ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ወረዳታት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዳግም ንምጥያሽ ዝወፀ ረቂቕ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ምምሕዳርን እቲ ቤትምኽሪ ኣይተ ሞገስ ታፈረ፥ እቲ ኣወዳድባ በዝሒ ህዝቢ፣ ራሕቒ፣ ስፍሓት መሬት፣ ፃዕቒ ህዝቢ፣ ኣቀማምጣ መሬትን ድልየት ህዝቢን ዘካተተ እዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ድማ ወረዳታት ትግራይ 57 ክኾና ከምዝኸኣላ ገሊፆም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ካብ ኣባላት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም።

እቲ ኣወዳድባ ዳግመ ውዳበ ወረዳታት ትግራይ ብዙሕ መፅናዕቲ ዝተገበረሉን ስራሕ ፈፃሚ ኣካል ልዑል ክትትል ከምዝገበረሉን ኣብሪሆም።

እቲ ኣዋጅ ዓፃዊ ከምዘይኾነን ንቀፃሊ እውን ምርድዳእ እናተገበረ ክመሓየሽ ከምዝኽእልን እውን ተዛሪቦም።

ብዋናነት ድማ ኣብ ጣብያታት ዘሎ ምሕደራ ንምዕራይን ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ክፈትሕን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

እቲ ዳግመ ውዳበ ወረዳታት ተዛዚሙ ናብ ስራሕ እንትእቶ ዲሞክራታይዜሽን ኣብ ምምዕባል ልዑል ግደ ከምዝህልዎ እውን ኣብሪሆም ኢዮም።

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ነቲ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ፥ ወረዳታት ትግራይ ዳግም ንምጥያሽ ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ ብ 7 ተቓውሞ፣ 6 ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ኣፅዲቆሞ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.