Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ጋመቤላ ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብር 10 ሚሊየን ሓገዝ ንምግባር ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ጋመቤላ ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብር 10 ሚሊየንን ኣባላት እቲ ካቢኔ ድማ 50 ሚኢታዊ ወርሓዊ መሃየኦም ሓገዝ ንምግባር ወሲኑ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ንምሕጋዝ ክልተ ኣምቡላንሳት ተሽከርከርቲ ሓገዝ ንምግባር ምውሳኑ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰለስተ ዞባታት ብሄረሰብ ዝኽእሉዎ ንኽገብሩ ከምዝስራሕ ዝገለፁ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ፥ ክልል ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲቶም፡፡

ብብርኪ ክልል ጋምቤላ ዝተዳለወ ሓገዝ ዘብፅሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝጓዓዝ እውን እቶም ርእሰ ምምሕዳር ካብ ቢሮ ፕሬስ ሴክሬታሪያት መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.