Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዘቕረቦ ሪፖርት ይሰምዕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሪፖርት ይሰምዕ ኣሎ።

ትማሊ ዝጀመረ 6ይ ዘበን ፓርላማ፣ 2ይ ዓመት እዋን ስራሕ፣ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ እውን ቀፂሉ፡፡

ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ እናነበሩ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዘካየዱዎ ህዝበ ውሳነ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሪፖርት እናድመፀ ይርከብ፡፡

ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ውብሸት ኣየለ÷ እቲ ቤት ምኽሪ 12 ነሓሴ 2014 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ እናነበሩ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን ብሄር ብሄረሰባትን ቦርድ መረፃህዝቢታትን ቦርድ መረፃ ህዝበ ውሳነ ኣካይዱ ሪፖርት ንኽገብር ከምዝተኣዘዘ ኣዘኻኺሩ፡፡

ብምዃኑ እቲ ቦርድ እናቕረቦ ኣብ ዝርከብ ሪፖርት ምይይጥ ከምዝግበር ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.