Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለ እዋን ኩሎም ባይቶታት ፌዴራልን ክልልን ስረሖም ይቐፅሉ ብዝብል ዝቀረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ 5ይ ዘበነ ፓርላማ 5ይ ዓመት እዋን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ እናካየደ ይርከብ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲን መንነትን እቲ ቤት ምኽሪ፥ ምስ ምንዋሕ መረፃ ተተሓሒዙ ዝቐረበሉ ሕቶ ሕገ-መንግስታዊ ትረጉ ኣብ ትሕዝቶ ኣተረጓጉማ፣ መምርሒ፣ ሜላን ዕላማን ኣድሂቡ ብምግምጋም ግቡእ ምርመራ ብምግባር ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለሉ እዋን ኩሎም ባይቶታት ፌዴራልን ክልልን ስረሖም ክቕፅሉ፤

2. ዝምልከቶም ኣካላት ዝርገሐ እቲ ቫይረስንቸከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን ብግቡእ ገምጊሞም ከምዝነከየ ወይ ድማ ጉድኣስ ምብፃሕ ጠጠው ከምዘበለ ምርግጋፅ እንትኽእሉ፤ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ሃገራዊ መረፃ ምክያድ ከምዝከኣል ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኢዩ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሪሽን በቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምድማፅ ኣብቲ ውሳነ ብምዝታይን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለ፤ ኩሎም ባይቶታት ፌዴራልን ክልልን ስረሖም ይቐፅሉ ብዝብል ዝቀረበ ሓሳብ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ሓሳብ ብኣርባዕተ ተቓውሞ፣ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦን ብ114 ድጋፍን ብኣብዝሓ ድምፂ ብልጫ ኢዩ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑዎ።

ብተስፋዬ ከበደ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.