Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ጉድኣት ንዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ድጋፍ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ጉድኣት ንዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ድጋፍ ገንዘብ ገይራ።

ሓላፊት እቲ ሊግ እሌኒ ዓባይ፥ ሊግ ደቂ ኣኒስትዮ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮ ንምርግጋፅን ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ ኲናት ሰሜን ጉድኣት ዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ንምድጋፍ “ሓደ ሰድራ ንሓደ ስድራ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣታዊ  ብምትእኽኻብ ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ድጋፍ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺረን።

ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕን ሰላም ንምርግጋፅን ከምዝተሰርሐ ብምግላፅ፥ “ሰላም ኢትዮጵያ ክሕሊ ኢየ፣ ንደቀይ ልምዓት ከውርስ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢረን።

“200 ንእነይ ሓደ ናውቲ ንሓደ ተመዛባላ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተገበረ ሃገራዊ ጎስጓስ ዝተኣከበ ሃፍቲ ነዝምልከቶም ኣካላት ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እቲ ዝተኣከበ ኣስታት 6 ሚሊየን ብር ንቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ክልል ኣምሓራ ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.