Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ክሲ ንኽምስረት ኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ዓቃቢ ሕጊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ክሲ ንኽምስርት ቤት ፍርዲ ፈቒዱ።

መርማሪ ፖሊስ እቲ ጉዳይ ንዝተመልከተ ታረኛ ቆፀሮ ቀዳማይ ብርኪ መጋባእያ ፌዴራል ምድብ ኣራዳ ምርመሩኡ ከምዝዘዘመ ብምግላፅ መዝገቡ ንዓቃቢ ሕጊ ኣረኪቡ።

ኣብቲ መጋባእያ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ኣብዲ ኣለማየሁ ኣርቲስት ሃጫሉ ኣብ ዝተቐንፀለሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ኣያነበርኩን ኢሉ ዝነበረ ይኹን እመበር፥ ካሊእ ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚ ብግድኡ እቲ ኣርቲስት እንትቕተል ከበደ ገመቹን ኣብዲ ኣለማየሁን ሓቢሮምዎ ከምዝነበሩ ገሊፁ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ክሲ ንኽምስረት 15 መዓልቲ ሂቡ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያታት ኣስራት ሚዲያ ብመሰረት ዝሃቦ ቆፀሮ፥ ሓላፊ ምምሕዳር እሱራት ኣዲስ ኣበባ ቀሪቦም ኩነታት ጥዕናን ኣተሓሕዛ ማእሰርቲን እቶም ተጠርጠርቲ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተገበረሎምን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ከምዝኾኑን ኣፍሊጡ።

ይኹን እመበር ተጠርጠርቲ ብምኽንያት ሕፅረት ፅሬት ንፀገም ጥዕና ንቃላዕ ኣለና ምባሎም ስዒቡ፥ ቤት ፍርዲ እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ማእሰርቲ እንትወፅኡ ኣብ ጥዕነኦም ፀገም ኣጋጢሙ በሰላ ሒዞም ክወፅኡ የብሎምን፣ ፖሊስ ትእዛዝ ክሳብ ዝወሃቦ ክፅበ የብሉን፣ ድሕንነቶምን ጥዕነኦምን ኣብ ዝተሓለወ ቦታ ክፀንሑ ይግባእ ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ፖሊስ እውን ምርመርኡ ዛዚሙ ንኽመፅእ ተወሳኺ ሸውዓተ መዓልቲ ተፈቒዱሉ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.