Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ኣብ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ዝተረፈ ምስክር ቅድመ ምርመራ ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ

አዲስ አበባ ፣ ነሃሴ 22 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ታረኛ ቆፀሮ መጋባእያ ምድብ ኣራዳ ናይ እኒ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ 14ቲኦም ተጠርጠርቲ ምስክር ቅድመ ምርመራ ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ካብ 4ይ ክሳብ መበል 14 ዝተዘርዘሩ ተጠርጠርቲ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተገይሩሎም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ዝገልፅ ውፅኢት ንቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ።

ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ቅድሚ ሕዚ ምስ መሓዙትና ክንራኸብ ኣይከኣልናን ክብሉ ንቤት ፍርዲ ብዘቕረቡዎ ስምዕታ፤ ምስመሓዙቶም ናይ ምርኻብ መሰል የሃልዎም እምበር ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስለዝኸልክል ቤት ፍርዲ ኣይተቐበሎን።

ቀዳማይ ተጠርጣሪ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ምስ በዓልቲ ገዝኡ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ንኽራኸብ ይፈቐደለይ ኢሉ ዘቕረቦ ሕቶ ቤት ፍርዲ ተቐቢሉ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ንኽራኸብ ኣዚዙ።

እዝነይ ሓሚመ ኢየ ኣብ ዝሐሸ ሆስፒታል ክሕከም ኣለኒ ኢሎም ስምዕታ ዘቕረቡ ኣብ ታራ ቑፅሪ 12 ዝርከቡ ተጠርጣሪ ኣይተ ሸምሰዲን ጣሃ ብግደኦም፥ ኣብ ዝመረፁዎ ሆስፒታል ክሕከሙ ንኽመዓራረየሎም ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

እቲ ቤት ፍርዲ እኒ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ 14ቲኦም ተጠርጠርቲ ምስክር ቅድመ ምርመራ ንምስማዕ ንዝቕፅል ሰሉስ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.