Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ዝርዝሮም ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ዝርዝሮም ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ግብረ ሓይኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውሰድ ምስ ዘሎ ስጉምቲ ብሕቡእ ኣወዳድባ ይንቀሳቐሱን ተግባር ግብረ ራዕዱ እንትፍፅሙ ዝተረኸቡን 47 ተጠርጠርቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኩይናትን መረዳእታታትንኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ፥
1. ሃብታሙ ኣያሌው
2. ምንአላቸው ስማቸው
3. ብሩክ ይባስ
4. እየሩሳሌም ተ/ፃዲቅ
5. ዘመድኩን በቀለ
6. ልደቱ ኣያሌው
7. መሳይ መኮንን
8. ጎበዜ ሲሳይ
9. ምህረት ወዳጆ (ምሬ ወዳጆ)
10. በለጠ ጋሻውን
11. ሙሉጌታ እንበርብር ኢዮም።
እቶም ተጠርጠርቲ ዝተፈላለዩ ፕሮፓጋንዳታት ግብረ ራዕዲ ብምንዛሕ መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን ብሓይሊ ንምዕላውን ሃገር ናብ ቅልውላው ንምእታውን እሕቡእ ተወዲቦም ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.