Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ሓይሊ ዕማም ኣብ መዓስከር ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ፀገም ንምፍታሕ ዝገበሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ሱዳናዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ኣተሓሕዛ ንክከታተል ዝተጣየሸ ብሄራዊ ሓይሊ ዕማም ክሳብ ሐዚ ዝገበሮ ምንቅስቓስን ፃዕሪን ዝተባባዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ብሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ዘምራሕ ሓይሊ ዕማም ክሳብ ሐዚ ዝገበሮም ምንቅስቓሳት ተገምጊሞም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ፥ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ለዕሊ 17 ሃገራት ዜግነት ዘለዎም 128 ሺሕ ስደተኛታት ኣብ መተማን ኩምሩክን ብዘለዉ ተፍቲሻት ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ተገሊፁ።

ካብቶም ዝኣተዉ እቶም ልዕሊ 47 ሺሕ ኢትዮጵያን ምዃኖም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ካብ ዶብ ጀሚሩ ኣድላዪ ደገፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብዓበይቲ ከተማታት ዘለዉ ልዕሊ 15 ሺሕ ሱዳናዊን ድማ ቪዛ ብናፃ እናተሓደሰሎም ይነብሩ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዘለዋ ጠንካራ ደገፍ ዘረእይ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.