Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ሓበራዊ ዛዕባና ኢዩ – ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው፣ ጉዳይ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ሓበራዊ ሃገራዊ ዛዕባና ኮይኑ ክቕፅል ኢዩ ክብል ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ደስታ ዲንቃ ከምዝበሉዎ÷ ኣፈላላይ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ የሃልዉ እምበር ኣብ ሃገራዊ ልምዓት፣ ዘላቒ ሰላምን ሓድነት ኣብ ምሕላውን ምድርዳር ኣይግባእን፡፡

“ብፍላይ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሃገራዊ ትልሚታት ልምዓት ሓገዝቲ እምበር ዓዓዕቃፋይ ግደ ክህልወና ኣይግባእን” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ቀፀልቲ ስራሕቲ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ሓሊፉ ቆራፅነት ፖለቲካዊ ምትእስሳር ሓጋዚ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.