Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምክፍፋል ናውቲ መረፃ ምጅማሩ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምክፍፋል ናውቲ መረፃ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ቦርድ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ኣብ እዋናዊ መግለፂ ሂበን።

ወይዘሪት ሶሊያና ኣብ መግለፂአን፥ ምዕሻግን ምክፍፋልን ናውቲ መረፃ ብዝምልከት ኣብ ክልል ኦሮሚያ 118፣ ድሬዳዋ 47፣ ኣብ ክልል ዓፋር 55፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ 7፣ ጋምቤላ 14 ናብ ዝኾኑ ክልላት መረፃ ምክፍፋል ናውቲ መረፃ ከምዝጀመረ ገሊፀን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወሰነ ከምዝተርፎን ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ከምዝዛዘም እውን ተዛሪበን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቕፅሉ መወዳእታ መዓልቲታት ከምዝከፋፈል እተን ሓላፊት ገሊፀን።

ቅድም ክብል ዝነበሩን ንምዝገባ መረፅቲ ጥራሕ ተሓሲቦም ዝተዳለዉ ቦታታት ንዝቕፅል ስራሕ ስለዘይምችዉ ንመረፃን ቆፀራ ድምፂን ዝኾኑ ምቹዋትን ሰፋሕቲን ቦታታት ንኽዳለዉ እቲ ቦርድ ሕቶ ምቕራቡ ኣብሪሀን።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ወይዘሪት ሶሊያና ኣብ መግለፂአን ገሊፀን።

እቲ ቦርድ ኣብ ኣወሃህባ ድምፂ መረፃ ክልላትን ናይ ገፀር ከተማታትን ትምህርቲ ግንዛበ ከምዝተውሃበን ጉዱኣት ኣካል ዘማእኸሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብን ኣብሪሀን።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ጎስጓሳት መረፃ ግቡእነት ስለዘይብሎም ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ብፍሬህይወት ሰፊውን ኣፈወርቅ እያዩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.