Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ውፅኢታዊ ምውፋር ሓበሬታ ምግባሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ስትራቴጂክ ምልከትኡ ብመንፅር ዘጋጠሞ ስግኣት ሃገራዊ ድሕንነት እንትቃነ ውፅኢታዊ ምውፋር ሓበሬታ ምግባሩ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ዓሚቕ ገምጋም ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ ኣንፈታት ከምዘቐመጠ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ኣብ መግለፂኡ ከምዝሓሮ፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ልዑል ሃገራዊ ስግኣት ድሕንነት ዘንፀላለወሎም እዋናት ተፈጢሮም ነይሮም፡፡

ካብ ወፃኢ ሓይሊታት ብዝተኸፈተ ዝተዋደደ ፅዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ሓይሊ ሚዛን ንምስኣን ፈተነ ከምዝተገበረ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት፥ ብህዝቢ መረፃ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ንምግባር ምድላው ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ስግኣት ሃገራዊ ድሕንነት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ስግግር መንግስቲ ንኽምስረትን መንግስታዊ ስልጣን ብድርድር ንመሓዝን ዝተገበረ ድፍኢት ካብ ምውሳኹ ብተወሳኺ ዕጡቓት ፍልፍል ስግኣት ንኽኾኑ ዕድል ከምዝፈጠረ ኣፍሊጡ፡፡

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ተለዋወጢን ተሓላላኺ ዝኾነን ስግኣት ሃገራዊ ድሕንነት ኣቐዲሙ ብምፍላጥ ከትርፍ ዝኽእል ኩለመዳይ ብቕዓት ምህናፁ ክዝቕፅል ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ፡፡

ብፍላይ ኢኮኖሚያዊ ሽርሒታት ብምስራሕ መሰረታዊ ጠለባት ብዘይተገበአ ዋጋ ንምሻጥ ምስ ዝፍትኑ ኣካላት ተተሓሒዙ ፍልፍለታት እቶም ፀገማት ብምፍላይ ተሓታትነት ሕጊ ምዕሳል፣ ፖለቲካዊ ፀገማት ናብ ሃገራዊ ስግኣት ድሕንነት ከይሰጋገሩ ብምውፋር ሓበሬታ ተሓጊዝካ፤ ካብ ወፃኢ ክፍነዉ ዝኽእሉ ብሄራዊ ስግኣታት ድሕንነት ብምፍላይ ኣቐዲሙ ምፍሻል ዘኸእል ምውፋር ሓበሬታ ወፃኢ ምጥንኻርን እዋናዊ ስግኣት ድሕንነት እናኾነ ዝመፅአ ኲናት ሓበሬታ ዝምክት ዓቕሚ ምፍጣር ናይ ቀፃሊ ኣንፈት ትኹረት ከምዝኾነ እቲ ኣገልግሎት ናግዜኢ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣብሪሁ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.