Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኮሚቴ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ኣብ ጉዳይ ቀረብን ተበፃሕነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ብሄራዊ ኮሚቴ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ሎሚ መዓልቲ  ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ጉዳይ ቀረብን ተበፃሕነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ዜጋታት ቁፅሮም ልዑል ከምዝኾነ ገምጊሙ፡፡

ብምኽንያት ድርቂ፣ ውሕጅን ጎንፂን ካብ መረበቶም ዝተመዘበሉ ቁፅ ዜጋታት ልዑል ስለዝኾነ ግቡእ ኣድህቦ ዝደሊን ምትሕብባር ኩሎም ዜጋታት ከምዝደሊን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ብምኽንያት ጎንፂ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉን ሓገዝ ዝደልዩን ዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ እናብፀሐ ከምዝኾነን ንፀገም ዝተቓልዑ ተሓገዝቲ ብዘላቕነት ምጥያሽ ከምዘድሊ ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ሰሜ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብድርቂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዝርከቡ ተሓገዝቲ እውን ትኹረት ዘድልዮም ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ብምኽንያት ጎንፂ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝፀንሑ ተምሃሮን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ሓገዝ ስነ-ኣእምሮ ክግበረሎም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝምልከት እታ ሃገር ምስ ዘለዋ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝፈጥሮ ፅንቶ ልዑል ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ኩሎም ሴክተራት ሃፍቲ ምትእኽኻብን ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ንምብፃሕ ክውደቡ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ትካላት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝን መሓዙት ልምዓትን እውን ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት ንምሕጋዝ ብዘለዎም ዓቕሚ ክረባረቡ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

መርሃ ግብሪታት ሴፍቲኔትን ሕርሻ ከተማን እውን ህይወት ተሓገዝቲ ብዘላቕነት ንምቕያር ብዘኽእል መልክዑ ክስረሐሎም ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

ዝምልከቶም ሴክተራት፣ ትካላት ምክልኻል ሓደጋ ፌዴራልን ክልላትን ልምዶምን ሃፍቶምን ብምውዳድ ኣብ ዕለታዊ ትልሞም ብምእታው ምርብራብ ከምዘግበኦም ኣብቲ ህጹፅ ኣኼባ ኣንፈት ሂቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.