Fana: At a Speed of Life!

ብላክ ኮከስ ኮንግረስ ኣሜሪካ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት መዳርግቲ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪካ ብዘሳተፈ መልክዑ ሰላማዊ መዕለቢ ንመሃብ ክስራሕ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብላክ ኮከስ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት መዳርግቲ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪካ ብዘሳተፈ መልክዑ ሰላማዊ መዕለቢ ንመሃብ ክስራሕ ሓቲቱ።

እኩብ ኣባላት ኮንገረስ ፀለምቲ ኣሜሪካውያን ዝኾነ ብላክ ኮከስ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ዘይምስምዕማዕ ሕብረት ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ዝዓዘዘ ግድኡ ተጠቒሙ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ መፍትሒ ንመሃብ እንተተንቀሳቕሱ እቲ ኮከስ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ዓቢዪ ግድብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ማይ ስለዝኾነ ኣብታ ኣህጉር ኣወንታዊ ፅዕንቶ ከምዝህልዎ እውን እቲ ኮከስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ግድብ፥ ዋሕዚ ናይቲ ሩባ ብምምሕያሽ ኣብ ዘፈር ቀረብ ሓይሊን ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.