Fana: At a Speed of Life!

ብልማታዊ ሴፍቲኔት ደገፍ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር  ተገይሩ-ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልማታዊ ሴፍቲኔት ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ፀገማት ንዘጋጠሞም ወገናት ደገፍ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር  ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ፋንታ ደጀን፥ እቶም ወገናት ብኮቪድ 19ን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ኲናትን ጎንፀን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ 11 ከተማታት አንትግበር ዝነበረ ፕሮጀከት ሴፍቲኔት ከተማ ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ ካልኣየን ሳልሳይን ዙር ስራሕቲ ሴፍቲኔት ልዕሊ 640 ሺሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብቤዛዊት ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.